ኮነ ኢልካ ናይ ሓሶት ወይ ዘታልል ሓበሬታ ምክፋል ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምብታን (Disinformation) ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ናይ ወጻኢ መንግስትታት ንረብሓኦም ንምግልጋል ኢሎም ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምብታን (Disinformation) ኽጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። እዚ ንውልቀ - ሰባትን ማሕበረሰባትን ክጐድእ ይኽእል ኢዩ።
ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምብታን ኸመይ ምልላይ ይከኣል
ሓደ ነገር ናይ ሓሶት ሓበሬታ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ኽትውስን ከለኻ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦
- ካብ ዘተኣማምን ምንጪ ዝተረኽበን ብኻልእ ዘተኣማምን ወብ ሳይታት ዜና ዝተረጋገጸን ድዩ?
- ስምዒታዊ ዘረባ ብምጥቃም ጭብጥታት ወይ መርትዖታት ዕሽሽ ይብሎ ዶ?
- ንጹር ኣድልዎ ኣለዎ፣ ወይ ዝተፈላለየ ኣረኣእያታት ኣብ ግምት ኣየእተወን?
ከምዝስዕብ ይገብር ወይ ኣይግበር ድማ ኣብ ግምት አእቱ፦
- ኣጸጋሚ ጕዳያት ንምግላጽ ቀሊል ቓላት ወይ ስምዒታዊ ዝኾኑ ቓላት ይጥቀም
- ብዘይ ኣፍልጦ ወይ ምንም ዐይነት ድሕረ-ባይታ ኣብ ግምት ከየእተወ ልሙድ ነገራት/ስቴሪዮታይፕ ይጥቀም
- ግጉይ ወይ ግዜኡ ዝሓለፎ ሓበሬታ ይውክስ
- ኣብ ጭብጥታት ክንዲ ዘተኵር ዝተጋነነ ኣርእስትታት ይጥቀም
- ቃላት ብጌጋ ይጽሕፍ ወይ ግጉይ ሰዋስው ይጥቀም
- ትሑት ደረጃ ዘለም ስእልታት፣ ወይ ዝተተናኸፈ ዝመስሉ ስእልታት ይጥቀም
ኮሚሽነር ኢ-ሴፍቲ (eSafety Commissioner(Opens in a new tab/window)) ናይ ሓሶት ዜና ንምልላይ ዝሕግዙኻ ምንጭታት ኣለዉዎ
ብዛዕባ መረጻ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምብታን
ብምስጢር ንኣረኣእያን ጠባያትን ሰባት ብናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምጽላው ዝግበር ጻዕሪ ንንጽህና እቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝግበር ምርጫ ኸዳኽሞ ይኽእል እዩ።
ሓይሊ ዕማም ምርግጋጽ ቅንዕና ምርጫ/Electoral Integrity Assurance Taskforce(Opens in a new tab/window) ብዛዕባ ግጉይ ሓበሬታ ዝምልከት ናይ መረዳእታ ወረቐት ኣሕቲሙ ኣሎ።
ብዛዕባ ፈደራላዊ ምርጫታት ኣውስትራልያ ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ትሕቲ ተወሳኺ ናይ ደገፍ ገጽ ይርከብ።።