ኣብ ኣውስትራልያ ዲፕሎማስያዊ ህላወ ዘለዎም ገለ ናይ ወጻኢ መንግስትታት ኣብ ሕብረተሰብ ኣውስትራልያ ዘሎካ ናጻ ተሳትፎን ርእይቶኻን ንምድራት ኣብ ዝዓለመ ንጥፈታት ክዋፈሩ ይኽእሉ ይኾኑ።
መንግስቲ ኣውስትራልያ ነቲ ኻብ ዲፕሎማሳውያን ዝመጽእ ዘይግቡእ ባህርይ ኣርዚኑ እዩ ዝርእዮ።
ናይ ወጻኢ መንግስትታት ኣብ ኣውስትራልያ ረብሓታቶም ብኽፉት፣ ግሉጽን ንህዝብናን ሕብረተሰብናን ዲሞክራስያዊ ስርዓታትናን ብዘኽብርን መንገዲ ንምስጓም ክጽዕሩ ይኽእሉ እዮም።
ናይ ወጻኢ መንግስቲ ወከልቲ ኣብ ኣውስትራልያ ንዝርከቡ ሰባት ክከታተሉ፣ ከሸግሩ ወይ ከፈራርሕዎም ወይ ንሓደ ውልቀሰብ ኣብዚ ረብሓታት ናይ ወጻኢ መንግስቲ ከስጉም ከገድድዎ ግቡእ ኣይኮነን።
ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ዲፕሎማስያዊ ወይ ቆንስላዊ ሰበስልጣን ዘይግቡእ ባህርያት ብዝምልከት ስክፍታታት እንተሃልዩኩም ናብ ጨንፈር ፕሮቶኮል ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢን ንግድን/Foreign Affairs and Trade’s Protocol Branch ብprotocol.branch@dfat.gov.au ሪፖርት ግበሩ።