ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነት ኣብ ኦንላይን ኣብ ዘለዉ ሰባት ዝዓለመ ክኸውን ይኽእል።
እዚ ድማ እቲ ጽሑፍ ወይ ርእይቶ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወይ ካብ ናይ ኦንላይን መድረኻት እንተ ዘይተላዒሉ ምጕብዕባዕን ወይ ምፍርራህን ከጠቓልል ይኽእል እዩ።
ብኢንተርነት ኣቢሉ ብዝግበር ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነት ግዳይ ከም ዝዀንካ ትኣምን እንተደኣ ዄንካ ናብ ሃገራዊ ናይ ጸጥታ ቀጥታ መስመር ስልኪ/National Security Hotline(Opens in a new tab/window) ደውል።
ኣብ ኢንተርነት ውሑስነትካ ኣመሓይሾ
ዳይረክተር ምልክታት/ሲግናል ኣውስትራልያ ማእከል ድሕነት ሳይበር ኣውስትራልያ/The Australian Cyber Security Centre ከመይ ጌርካ ዝያዳ ካብ ናይ ሳይበር ጥቕዓት ውሑስ ክትከውን ከም እትኽእል “ንርእስኻ ተኸላኸል” ብዝብል ፖርታል (Opens in a new tab/window)ኣቢሉ ምኽሪ ክህበካ ይኽእል እዩ።
ኣወንታዊን ውሑስን ተመኩሮታት ኦንላይን ንምድንፋዕ ኮሚሽን ኢ-ሴፍቲ/eSafety Commission(Opens in a new tab/window)er ድምጺ ሕብረተሰብ ንምሕላውን ጽንዓት ንምዕባይን ዝተፈላለየ ትምህርታውን ስልጠናውን መደባት ኣለዎ።
ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ኣብ ኢንተርነት ግህሰት ከጋጥመን ተኽእሎ ኣሎ። ደቂ ኣንስትዮ ብኢንተርነት ንነብሰን ንኽከላኸላ ዝሕግዙ ምንጪታት ኣለዉ፦