ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ኣውስትራልያ ዘሎ ሓደጋታት

ኣብ ሓደ ናይ ኣውስትራልያ ዩኒቨርሲቲ ተመሃራይ ከም ምዃንካ መጠን፣ ኣካል ናይቲ ሓሳባትን እምነታትን ብናጻን ብኣኽብሮትን ብምግላጽ ዝማዕበለ ማሕበረሰብ ኢኻ።

ተማሃሮን ተመራመርትን ሓዊስካ፣ ኩሉ ሰብ ብናጽነት ክዛረብን ውሕስነት ክስምዖን መሰል ኣለዎ። ዝኾነ ሰብ ጸቕጢ ክገብረልካ፣ ከፈራርሓካ፣ ክዕዘበካ ወይ ከሸግረካ ክፍትን የብሉን — ብፍላይ ናይ ወጻኢ መንግስቲ ወይ ንናይ ወጻኢ መንግስቲ ዝሰርሓሉ ሰብ።

ተማሃሮን ተመራመርትን ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝህልዉሉ እዋን ሕግታት ኣውስትራልያ ክኽተሉ እውን ትጽቢት ይግበር።

ስግኣታት ጸብጻባት

ኣብ ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነት ክትዋፈሩ እንተተሓቲትኩም ወይ ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነት ንጥፈታት እንተኣጋጢምኩም፣ በጃኹም ነዚ ናብ ቀጥታ መስመር ሃገራዊ ድሕነት/National Security Hotline(Opens in a new tab/window) ረፖርት ግበሩ፣ ወይ ድማ ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ስለያ፣ ውሽጣዊ ስግኣታትን ናይ ወጻኢ ሃገራት ጣልቃ ኣታዊነትን ዘለኩም ስክፍታታት ካልእ ናይ ጸብጻብ ኣገባብ NITRO Portal(Opens in a new tab/window) (ክሕበሩ ዝኽእሉ ፍጻመታት፣ ስግኣታት ወይ ክሕበሩ ዝኽእሉ ገበናት) ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ ወጻኢጣልቃ ኣታዊነት እንተ ኣጋጢሙካ ወይ እንተተዓዚብካ እሞ ነዚ ንሰበስልጣን ኣውስትራልያ እንተሓቢርካ፣ ሓለዋ ክግበረልካ እዩ ቪዛኻ ድማ ኣይክውሰድን እዩ።

ኣብ ርእሲ’ቲ ናብ ቀጥታ መስመር ቴሌፎን ሃገራዊ ድሕንነት/National Security Hotline(Opens in a new tab/window) ምሕባር፣ ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነት ንጥፈታት ንወከልቲ ዩኒቨርሲቲኻ ሪፖርት ክትገብር ይግባእ። እዚ ድማ ናብ ኣገልግሎት ጸጥታ ወይ ተመሃሮ፣ ወይ’ውን ናብቲ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ውፉይ መስመር ጸብጻብ ምድዋል ከጠቓልል ይኽእል። እዞም ኣገልግሎታት እዚኦም ኣብዚ ዘለዉ ናይ ተማሃሮ ድሕንነት ውሑስ ንምግባር እዩ፣ ጽኑዕ መምርሒታት ብሕታዊነት ድማ ይኽተሉ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ኣውስትራልያ ዘሎ ሓደጋታት

Sign up

Sign up for news and updates from our agency.