ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነት ዝግበረሎም ውልቀሰባት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝለዓለ ስግኣት ድሕንነት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ።
ኣብ ወጻኢ ሃገራት ስድራቤት ወይ ፈተውቲ ንምብጻሕ ምጉዓዝ ከከምቲ እትገይሸላ ሃገር ገለ ሓደጋታት ክህልዎ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ብኣኽበርቲ ሕጊ ምፍርራሕ ወይ ዘየድሊ ሕቶ ምሕታት፣ ውልቃዊ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታትካ ምፍታሽ፣ ምክትታል ወይ ምዕጋት ወይ ምእሳር ከጠቓልል ይኽእል።
ኣብ ገለ ሃገራት፣ ሰበስልጣን ኣውስትራልያ ቆንስላዊ ሓገዝ ናይ ምሃብ ዓቕሞም ኣዝዩ ድሩት ክኸውን ይኽእል እዩ። ድርብ ዜግነት’ውን ሰበስልጣን ኣውስትራልያ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብኸመይን መዓስን ቆንስላዊ ሓገዝ ክህቡ ከምዝኽእሉ ጽልዋ ከሕድር ይኽእል። ኣብ እታ ካልአይቲ ሃገር ዜኘትካ እንተሃሊኻ፣ መንግስቶም መንግስቲ ኣውስትራልያ ክሕግዘካ ከይፈቅድ ይኽእል እዩ
ምኽሪ መንግስቲ ኣውስትራልያ ብዛዕባ ውሑስ ዝኾነጕዕዞ
ንልዕሊ 175 ዝብጽሓ ቦታታት፣ ናይ ሳይበር ድሕንነት(Opens in a new tab/window)፣ ኣካዳሚያውያን(Opens in a new tab/window)ን ጋዜጠኛታትን(Opens in a new tab/window) ዝምልከት ናይ ጉዕዞ ምኽሪ፣ ከምኡ’ውን ኣብ እዋን መገሻ ውሑስ ምዃን ዝምልከት ሓፈሻዊ ምኽሪ ኣብ ዌብሳይት ስማርትራቨለር/Smartraveller ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ኩሉ ግዜ ነቲ እተገሽሉ ቦታ ዝተውሃበ ናይ ስማርትራቨለር/Smartraveller ምኽሪ ጉዕዞ(Opens in a new tab/window) ብጥንቃቐ ኣንብብዎ፣ ነቲ ምኽሪ ድማ ተኸተልዎ፣ ብፍላይ ዝኾነ እትዓርፍሉ ቦታታት ወይ ኣይትጓዓዝ ተባሂሉ ዝተመደበ ቦታታት።
ቅድሚ ምኻድካ ወይ ኣብ ወጻኢ ከለኻ ገለ ነገር እንተተቐይሩ ንምፍላጥ ኣብ Smartraveller’s free travel advice updates(Opens in a new tab/window) ተመዝገብ።