ናይ ኣእምሮ ጥዕና ደገፍ
ናይ ወጻኢ ሃገር ጣልቃ ኣታዊነት ንኣእምሮኣዊን ሓፈሻዊን ጥዕናኻ ክጸልዎ ይኽእል እዩ።
ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ዌብሳይት እዚ ዝተገልጸ ዝኾነ ይኹን ነገር ትጭነቕ፣ ጸቕጢ ይስመዐካ ወይ ትሓርቕ እንተሃሊኻ ሓገዝ ኣሎ።
እቲ ደገፍ ነጻ፣ ምስጢራዊን 24/7 (ኲሉሻዕ) ዝርከብን እዩ። ምሩጻት ኣገልግሎታት ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ደገፍ ይህቡ።
- ላይፍላይን/Lifeline: 13 11 14
- ቢዮንድ ብሉ/Beyond Blue: 1300 22 4636
- ሜዲኬር ኣእምሮኣዊ ጥዕና/Medicare Mental Health 1800 595 212
- ሴን ኣውስትራልያ/SANE Australia: 1800 187 263
- ኢምብሬስ ሕብረ ባህላዊ ጥዕና ኣእምሮ/Embrace Multicultural Mental Health(Opens in a new tab/window)
- FASSTT(Opens in a new tab/window)
ድሕንነት ኣብ ኦንላይን
ኮሚሽነር ኢሴፍቲ ንዓኻን ንማሕበረሰብካን ኣብ ኢንተርነት ንኽትነጥፍ ዝሕግዙ ብርክት ዝበሉ ምንጭታት ኣለዉዎ፦ ድሕንነትን ትምህርትን ማሕበረሰብ | ኮሚሽነር ኢሴፍቲ(Opens in a new tab/window)
ሓበሬታ ምርጫ ኣውስትራልያ
ኮሚሽን ምርጫ ኣውስትራልያ (AEC) ኣብ ፌደራላዊ ምርጫ ኣውስትራልያ ብኸመይ ከምትምዝገብን ከምትመርጽን ሓበሬታ ዝህብ እሙን ምንጪ እዩ። AEC ብተወሳኺ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታትን(Opens in a new tab/window) ቅርጽታትን ዝቐርብ ሓበሬታ ኣለዎ።
ናብ AEC ብቑጽሪ ስልኪ 13 23 26 ክትድውሉ ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ድማ ብመንገዲ ኣገልግሎት ኣስተርጓሚ ቴሌፎን ብቋንቋኻ በቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሊንክ ክትድውሉ ትኽእል ኢኻ።
ኮሚሽን ምርጫ ኣውስትራልያ (AEC) ኣብ ውሽጢ ሕጊ ምርጫ ኮመንዌልዝ/Commonwealth Electoral Act 1918 ርክባት ምርጫ ብሓታሚ ፍቓድ(Opens in a new tab/window) ክህልዎ ዝጠልብ ሕጊ ብምትግባር ግሉጽነት ሓበሬታ የስፋሕፍሕ። ብተወሳኺ AEC ኩሎም መረጽቲ ምንጪ ኲሉ ናይ ምርጫ መወዓውዒታትን ንዋትን ‘ደው ኢሎም ኣብ ግምት ከእትዉ/’(Opens in a new tab/window) የተባብዕ።
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣውስትራልያ
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣውስትራልያ(Opens in a new tab/window) ሰብኣዊ መሰላትካ ንምርዳእን ንምሕላውን ዝሕግዙኻ ጽሑፋት ኣለዉዎ።
ፌደራል ፖሊስ ኣውስትራልያ
ሕጋዊ ምንጪታት
ንሕጋዊ ሓበሬታ፣ ንኣገልግሎት ሪፈራልን ከም ናይ ተሌፎን ምኽሪ ዝኣመሰለ ኣናእሽቱ ሓገዛትን እንተ ደሊኻ ምስ ናይ ከባቢኻ ስቴት ወይ ቴሪቶሪ ሊጋል አይድ ሓገዝ ክትራኸብ ትደሊ ትኸውን።
- ኣወስትራልያ ካፒታል ቴሪቶሪ – ሊጋል አይድ ኤሲቲ/Legal Aid ACT(Opens in a new tab/window)
- ኒው ሳውዝ ዌልስ – ሊጋል አይድ ኤንኤስዳብልዩ/Legal Aid NSW(Opens in a new tab/window)
- ኖርዘርን ቴሪቶሪ – ሊጋል አይድ ኤንቲ/Legal Aid NT(Opens in a new tab/window)
- ኲንስላንድ – ሊጋል አይድ ኲንስላንድ/Legal Aid Queensland(Opens in a new tab/window)
- ሳውዝ ኣወስትራልያ – ሕጋዊ አገልግሎታት ኮሚሽን ደቡብ አውስትራሊያ/Legal Services Commission South Australia(Opens in a new tab/window)
- ታዝማንያ – ታዝማኒያ ሊጋል አይድ/Tasmania Legal Aid(Opens in a new tab/window)
- ቪክቶርያ – ቪክቶሪያ ሊጋል አይድ/Victoria Legal Aid(Opens in a new tab/window)
- ዌስተርን ኣወስትራልያ – ሊጋል አይድ ዳብልዩኤ/Legal Aid WA(Opens in a new tab/window)
ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ሰበ-ስልጣን ኣውስትራልያ
ሃገራዊ ትካል ፖሊስ ኣውስትራልያ፣ ፈደራላዊ ፖሊስ ኣውስትራልያ (AFP)፣ ድሕነትን ጽጥታን ኩሉ ሰብ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ምርግጋጽ ማእከላይ ተራ ይጻወት።
ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነት ስክፍታታት፣ ናይ ኮመንዌልዝ ገበን ሪፖርት/Commonwealth Crime Report(Opens in a new tab/window) ብምምላእ ብቐጥታ ናብ ፈደራላዊ ፖሊስ ኣውስትራልያ (AFP) ረፖርት ክትገብር ትኽእል ኢኻ
እቲ ፍጻመ ከቢድ ናይ ኦንላይን ግህሰት ዘጠቓልል እንተኾይኑ፣ ናብ ኮሚሽነር ኢሴፍቲ (eSafety Commissioner(Opens in a new tab/window)) ኣብ እውን ሪፖርት ክትገብሩ ትኽእል ኢኻ
ትካል ስለያ ጸጥታ ኣውስትራልያ (ASIO) ኣገልግሎት ጸጥታ እታ ሃገር ኮይኑ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ንዝርከቡ ሰባት ካብ ሓደጋ ጸጥታኦም ይከላኸል።
ምስ ንግዲ፣ ትምህርቲ ወይ ትካላት ምርምር ዝተኣሳሰር ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነት ስክፍታታት ብቐጥታ ብመንገዲ NITRO Portal (Opens in a new tab/window)(ዝተሓበረ ፍጻመታት፣ ስግኣታት ወይ ክሕበር ዝኽእል ገበናት) ናብ ASIO ሪፖርት ክትገብር ትኽእል ኢኻ