ናይ ወጻኢ መንግስትታት ኣብ ኣውስትራልያ ንዝርከቡ ውልቀሰባት ናብ መበቆል ሃገሮም ካብ ምኻድ ሓሊፎም ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሎም ንምእማን ብዙሕ ዝተፈላለየ መገድታት ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ኣገዲድካ ምምላስ ይብሃል።. ከምዝስዕብ ክመስል ይኽእል፦
- ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት፣ ወይ ስድራቤቶምን መሻርኽቶምን ዝግበር እገዳ መገሻ
- ቝጠባዊ ንብረት ከይንቀሳቐስ ምግባር
- ሓደ ውልቀ ሰብ ናብ መበቆል ሃገሩ ክምለስ ንምትብባዕ ኣብ ስድራቤቱን መሻርኽቱን ጸቕጢ ምግባር።
ብገበን ምእንቲ ክኸስሱኻ ናብ መበቈል ሃገርካ ኸም ዝመልሱኻ እውን ከፈራርሁኻ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ ኣገዲድካ ምውሳድ (extradition) ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ኣገዲዶም ንኽወስዱኻ እንተፈራሪሖምካ
መንግስቲ ኣውስትራልያ ገለ ናይ ወጻኢ መንግስታት ንሕቶታት ኣህጉራዊ ሕጊ ምኽባር ብዘይግቡእ ከም ዝጥቀምሉ ይግንዘብ። መንግስቲ ኣውስትራልያ ምስ ናይ ወጻኢ መንግስታት ዝጸንሐ ዝምድናታት ይሃልዎ እምበር፣ ነበርትን ዜጋታትን ኣውስትራልያ ካብ ፖለቲካዊ ግፍዒ ንኽሕለዉ ንምርግጋጽ፣ ንነፍሲ ወከፍ ጉዳይ ኣሕሊፍካ ምሃብ ብዕምቆት እዩ ይምርመር።
ናይ ወጻኢ መንግስቲ ሰበስልጣን እንተተራኺብካ እሞ ብዘይፈቅድካ ክወስዱኻ ወይ ተመሓላሊፍካ ከምትዋሃብ ክትወሃብ ኢኻ ኢሎም እንተተፈራሪሖምካ፣ ኣብ ኣውስትራልያ ካብ ምግፋዕ ነጻ ናይ ምንባር መሰልካ ከምዝተሓለወ ንምርግጋጽ ብስልኪ ቁጽሪ 131 444 ናብ ፖሊስ ደውል።
ሕጋዊ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ እንተበጺሑካ ወይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብገበናት እንተተኸሲስካ፣ መንግስቲ ኣውስትራልያ ወግዓውን ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ዘለዎምን ናይ ኣሕሊፍካ ምሃብ መስመራት ይጥቀም። ሰበስልጣን መንግስቲ ወጻኢ ከም ኣካል ናይቲ መስርሕ ኣሕሊፍካ ምሃብ ኣብ ውሽጢ ኣውስትራልያ ንዝርከቡ ሰባት ኣብ ምዝርራብ ወይ ምእሳር ተራ የብሎምን።
ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፣ ናይ ወጻኢ መንግስትታትን ወከልቶምን ውልቀሰባት ብዘይ ድሌቶም ካብ ኣውስትራልያ ክወጹ ከገድዱ ክፍትኑ ይኽእሉ እዮም። እዚ ኣብ ኣውስትራልያ ተቐባልነት የብሉን።
ንስኻ ወይ ትፈልጦ ሰብ ካብ ኣውስትራልያ ብሓይሊ ናይ ምውጻእ ሓደጋ እንተጋጢምዎ፣ ንፖሊስ ብ 131 444 ወይ ብህጹጽ ናይ ሓደጋ መስመር 000 ደውል።