ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ጣልቃ ምእታው ተምሃር

ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነት እንታይ እዩ?

ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነት ንምልላይ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነት ዝተፈላለየ መልክዕ ክሕዝ ይኽእል እዩ።

ኣብነት 1፦ ገለ መንግስታት ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ንዝገልጹ ሰባት ከፈራርሕዎም ወይ ከሸግሩ ይኽእሉ እዮም፦

ሓንቲ ጠበቓ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ሰብኣዊ መሰላት መደረ ኣስሚዓ። ድሕሪ’ቲ መደረ፣ ሓደ ዘይተፈልጠ ሰብ ክኸተላ ጀመረ እሞ ስእሊ ሰኣላ፣ ማኪና ኣቦኣ ድማ ብመሪሕነት ናይ ወጻኢ መንግስቲ ተበላሸወት።

ብዛዕባ መንግስቲ ወጻኢ ሃገርን ስድራ ቤታን ሓሶት ከይትዝርግሕ ምጕብዕባዕ ኣጋጠማ ከምኡውን እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ አዝማዳ ኣብ ኣውስትራልያ ብዛዕባ ዘለዉ አዝማዶም ተሓተቱ። ኣብ ካልእ ኣኼባ ምስ ተኻፈለት፣ ሓዋ ኣብ ወጻኢ ሃገር ብናይ ወጻኢ መንግስቲ ተኣስረ።

ኣብነት 2፦ ገለ ናይ ወጻኢ መንግስትታት ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ክድርቱ ይፍትኑ ይኾኑ፦

ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ኣውስትራልያ ብሓደ ንመንግስቲ ወጻኢ ዝነቅፍ ስነጥበባዊ ፖስተራት ተቐሚጦም።

ንረብሓታት ናይ ወጻኢ መንግስቲ ዝሰርሑ ጕጅለታት ተማሃሮ ምስቲ ትሕዝቶ ስለ ዘይተሰማምዑ ነቲ ፖስተራት ከልግስዎ በቲ ምስቱ ጉዳይ እተተሓሓዘ ኤምባሲ መምርሒ ተዋህቦም።

ይኹን እምበር እቲ ዩኒቨርሲቲ ከምኡ ምግባር ናይቲ ስነ-ጥበባዊ ናይ ምግላጽ ናጽነት ምጥሓሰ ስለዝኾነ ነቲ ፖስተራት ኣየልገሶን።

ናጽነት ርእይቶን ሓሳብ ምግላጽን እንታይ እዩ?

ናይ ርእይቶን ናይ ምግላጽን ናጽነት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣረኣእያ ናይ ምሓዝን ናይ ምግላጽን ከምኡውን ብዘይ ናይ ካልኦት ምምያ (ሴንሰር ምግባር) ኣብ ከምዚ ዘኣማሰለ ባህርያት ናይ ምክፋል መሰል ኣለዎ። እዚ ባህርያት እዚ ብዛዕባ ህዝባዊ ጕዳያት ናይ ምምይያጥ ናጽነት፣ ንኻልኦት ዝጽራር አረኣእያ ናይ ምሓዝ ናጽነት፣ ከምኡውን ኣብ ሰላማዊ ሰልፍታትን ኣኼባታትን ናይ ምክፋል ናጽነት ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ኣብነት 3፦ ገለ ናይ ወጻኢ መንግስትታት ንዝነቕፍዎም ሰባት ስቕ ንምባል ብኢንተርነት ዝግበር ጎስጓሳት ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም፦

ሓንቲ ጋዜጠኛ ብዛዕባ ናይ ወጻኢ መንግስቲ እትነቅፍ ዓንቀጽ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ጸሓፈት።

ድሕርዚ እታ ጋዜጠኛ ንኽትዋረድን ተኣማንነት ንኽትስእንን ንምግባርን ብትእዛዝ እቲ ናይ ወጻኢ መንግስቲ ብኢንተርነት ናይ ዝተወሃሃደ ወፈራ ግዳይ ኰነት።

ናብቱ ናይታ ጋዜጠኛ ኢመይልን ናይ ማሕበራዊ መራኸብን ኣካውንታን ብዘይ ፍቓዳ ካልኦት አትዮም ድማ ብሕታዊ ሓበሬታኣ ቍጽሪ ተሌፎናን ኣድራሻ ቤታን ዘለዎ ሓበሬታ ሓዊስካ ኣብ ኢንተርነት ተጠቐዐ።

እታ ጋዜጠኛ ካብ ናይ ሓሶት ማሕበራዊ ሚዲያ አካውንቲታት ነቲ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዝጽሓፈቶ ጽሑፍ ክተልዕሎን ይቕረታ ኽሓትትን ዝጠልብ ብዙሕ መልእኽትታት ተቐበለት።

ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነት ዘይኮነ እንታይ እዩ?

ኣብዚ ብዙሕን ዝተፈላለየን ባህልታት ዘለዎ ሕብረተሰብና ዘሎ ብዙሕነትን ተመኩሮን ኣረኣእያን ሓይሊ እዩ።

ኣብ ኣውስትራልያ፣ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ተሳትፎን ተጣባቒነትን ይተባብዕን ይሕሎን እዩ።

መንግስቲ ኣውስትራልያ ሓዊሱ፣ ኩሎም መንግስትታት ኣብ ኣውስትራልያ ንዘለዉ ኣገደስቲ ጉዳያትን ፖሊሲታትን ጽልዋ ከሕድሩ ይፍትኑ። ንህዝብና፡ ሕብረተሰብናን ዲሞክራስያዊ ስርዓታትናን ብዘኽብር ቅሉዕን ግሉጽን ኣገባብ ክካየድ እንከሎ፣ እዚ ንጥፈታት እዚ ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነት አይኮነን።

ካልኦት መንግስትታት ንህዝቢ፣ ሕብረተሰብን ትካላትን ኣውስትራልያ ብዘኽብር ኣገባብ ክመላለሱ ንጽበ። ከምኡ ምስ ዝገብሩ፣ ንጥፈታቶም ኣብ ኣውስትራልያ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል እዩ።

ናይ ወጻኢ ጽልዋ ዘለዎም ንጥፈታት ብኸመይ ከም እተመዝግብ

ኣብ ክንዲ ናይ ወጻኢ መንግስቲ ዝግበር ገለ ንጥፈታት፣ እንተላይ ናይ ወጻኢ መንግስታት ኣብ ትሕቲ ናይ ኣውስትራልያ ናይ ወጻኢ ጽልዋ ግሉጽነት መደብ/Australia’s Foreign Influence Transparency Scheme(Opens in a new tab/window)(Opens in a new tab/window) ክምዝገቡ ከድልዮም ይኽእል።

ንነብስኻ ኽትሓትት ዘሎካ ሕቶታት

ሓደ ነገር ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታውነት ክኸውን ይኽእል እንተኾይኑ ኽትውስን ከለኻ፡ ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ንነብስኻ ሕተታ፦

ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ጣልቃ ምእታው ተምሃር

Sign up

Sign up for news and updates from our agency.