የውጭ ጣልቃ ገብነት ለምን ተገቢ እንዳልሆነ

ዝኾነ ናይ ወጻኢ መንግስቲ ኣብ ኣውስትራልያ ውልቀሰባት መሰሎምን ናጽነቶምን ከይጥቀሙ ብዝኽልክል መንገዲ ንኣባላት ማሕበረሰብና ዒላማ ክገብር ቅቡል ኣይኮነን።

ኣብ ኣውስትራልያ ዝነብር ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድሕንነት ክስምዖን፣ አካል እቲ ማሕበረሰብ ክኸውንን አብቲ ማሕበረባዊን ሲቭላዊን ህይወት ክሳተፍን መሰል ኣለዎ። እዚ ብርታዐ እዚ ንሕብረተሰብና ዝድግፍ እዩ።

መንግስቲ ኣውስትራልያ ብናጻን ፍትሓውን ምርጫ ዝምረጽ ኮይኑ፡ ናይ ምድማጽ ዓቕምኻ ከምዝሕሎን ንመን ከም እትመርጽ ድማ ናይ ብሕቲ ሓበሬታ ምዃኑን ንምርግጋጽ ዝተዳለወ እዩ።

ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነት ንኣውስትራልያን ንዅሎም እቶም ኣብዚ ዝነብሩ ሰባትን ክጐድእ ይኽእል እዩ።

ኵላትና ኣብ ደሓን ዝዀነን ሓንጐፋይ ኢሉ ዝቕበልን ሕብረተሰብ ምእንቲ ኽንነብር ነቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝግበር ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነት ኣብ ምቅላስ ግደ ኣሎና።

ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነት ኣብ ኣውስትራልያ ገበን ኮይኑ ብመሰረት ገበናዊ ሕጊ ኮመንዌልዝ 1995 (Commonwealth Criminal Code Act 1995(Opens in a new tab/window)) ክሳብ 20 ዓመት ማእሰርቲ ዘቕጽዕ እዩ።

መንግስቲ ኣውስትራልያ ንዓኻ ንምክልኻል እንታይ ይገብር ከምዘሎ፦

ምምርማርን ምፍራስን

ናይ ኮመንዌልዝ ጸረ ጣልቃ ኣታዊነት ዓማሚ ሓይሊ (ታስክፎርስ)፣ ንሰለላን ንናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነትን ግብረ-መልሲ ይመርሕ ከምኡውን ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነትን ስለላን ንምልላይን ንምምርማርን ንምፍራስን ይዓዪ።

ኢንቨስትመንት

መንግስቲ ኣውስትራልያ ነቲ ኣውስትራልያ ኣብ ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነት እትገብሮ ጻዕርታት ንምድልዳልን ንኣውስትራልያ ኻብዚ ስግኣት እዚ ንምዕቋብን ካብ 2024 ክሳዕ 2025 ንልዕሊ 4 ዓመት ዝኸውን 71.6 ሚልዮን ዶላር ኣዋፊሩ እዩ።

ንማሕበረሰብ ምጉልባት

መንግስቲ ኣውስትራልያ ሻቕሎታትን ድሌታት ማሕበርሰባትን ምእንቲ ኽርድኦን ድሕንነት ማሕበረሰብ ንምድጋፍን ምስቶም ጽልዋ ዘሕደረሎም ማሕበረሰባት ኣዘውቲሩ ይሓብር ኢዩ።

ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነት ምልላይ

መንግስቲ ኣውስትራልያ ኣብ ኣውስትራልያ ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነት ከምዘይጻወር ብንጹር ንምግላጽ፣ ምስ ወከልቲ መንግስቲ ወጻኢ ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ጣልቃ ኣታዊነት ዘለዎ ስክፍታታት ከልዕል ይኽእል።

የውጭ ጣልቃ ገብነት ለምን ተገቢ እንዳልሆነ

Sign up

Sign up for news and updates from our agency.