ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ጣልቃ ምእታው ንጥፈታት ሓበሬታ እንተ ሃልዩካ በጃኻ ነዚ ናብ ሃገራዊ ጸጥታ ቀጥታ መስመር (National Security Hotline)(Opens in a new tab/window) ጸብጻብ ሃብ፦
- በዚ ደውል፦ 1800 1234 00።
- (ካብ ኣውስትራልያ ወጻኢ በዚ ደውል፦ (+61) 1300 1234 01)
- ኤስኤምኤስ/SMS: 0498 562 549
ብቛንቋኻ ዝተዳለወ ደገፍ
ኣስተርጓሚ እንተ ደሊኻ ብ131 450 ናብ ኣገልግሎት ምትርጓምን ምስትርጓምን (ቲስ ናሽናል/TIS National(Opens in a new tab/window)) ደውል።
ቲስ ናሽናል ኣብ መዓልቲ 24 ሰዓት፣ ዓመት ምሉእ ዕለታዊ ናይ ተሌፎን ኣስተርጓሚ ኣገልግሎት ይህብ ኢዩ።
ጸብጻብ ንኽትህብ ንምሕጋዝ ብ1800 123 400 ናብ ሃገራዊ ጸጥታ ቀጥታ መስመር (National Security Hotline) ኽድውሉ ይኽእሉ እዮም።
ጸብጻብ ድሕሪ ምቕራብካ
ናብ ሃገራዊ ጸጥታ ቀጥታ መስመር (National Security Hotline(Opens in a new tab/window)) ዝቐርብ ጸብጻባት ስምካ ከይተገልጸ ምሃብ ይከኣል እዩ፣ ምእንቲ ኽምርመር ድማ ናብ መኽበሪ ሕግን ጸጥታን ይመሓላለፍ እዩ።
ነፍሲ ወከፍ ሓበሬታ ይሕግዝ እዩ፣ እቲ ጸብጻብ ዘይግቡእ እንተ ዀይኑ ኸኣ ዋላ ሓንቲ ሳዕቤን ኣይክህልዎን እዩ።
ብዛዕባ እቲ እትህቦ ሓበሬታ ዝዀነ ይኹን ርእይቶ ወይ እዋናዊ ሓበሬታ ኣይክትረክብን ኢኻ። እዚ ኸኣ ንድሕንነት ናይቲ መርመራታትን ምስጢር ናይቶም ናብ ሃገራዊ ጸጥታ ቀጥታ መስመር (National Security Hotline) ጸብጻብ ዘቕረቡ ሰባት ንምሕላውን ኢዩ።
ይኹን እምበር እቲ እትህቦ ሓበሬታ ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ኣብ ካልእ መርመራታት እውን ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ዝኾነ ዘተሓሳስብ ነገር ንምጽብጻብ ንእሽቶ እዩ አይበሃልን።